ጌታቸው ረዳ ኣብ ራያ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተገሊጹ
ኣብ ሓዘን ኣቦኡ ዝገበሮ ዑደት፤ ህዝቢ ራያ ነቲ ፖለቲካዊ ጻውዒቱ ኣይተቐበሎን ተባሂሉ

ነበር ኣቦ መንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሕጂ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ዝኾነ ጌታቸው ረዳ፡ ናብ ኣላማጣ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ተቓውሞ ገጢምዎ።
ቀንዲ ዕላማ ዑደቱ ኣብ ሓዘን ኣቦኡ ንምብጻሕ እኳ እንተመሰለ፡ ብተግባር ግን ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ጽልዋን ንምፍጣር ዝዓለመ ምንባሩ ጸብጻባት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣረዲኦም።
ህዝቢ እቲ ከባቢ ነቲ ዝቐረበሉ ፖለቲካዊ ጻውዒት ንምቕባል ግዜ ከም ዘይብሉ ብንጹር ከም ዝገለጸ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ተቓውሞ፡ ህዝቢ ራያ ንቕድሚ ሕጂ ዝነበረ ፖለቲካዊ መስርሕን መሓውር ስልጣንን ከም ዘይቅበሎን ንውሳነ ገዛእ ርእሱ ደው ከም ዝብልን ዘርኢ መርኣያ ተወሲዱ ኣሎ።
