‘ትግራይ መዓስከርና እያ’ — ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈደራል
ትግራይ ኣገዳሲት ወተሃደራዊት መዓስከር ፈደራላዊ መንግስቲ ንምግባራ ሰፋሕቲ መደባት ወጺኦም ምህላዎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ትግራይ ኣገዳሲት መዓስከር ፈደራላዊ መንግስቲ ንምግባራ ሰፋሕቲ መደባት ወጺኦም ምህላዎም፡ ምንጭታት ካብ ሰበ ስልጣን ሰልፊ ብልጽግና ብምጥቃስ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ፈደራል ኣብ መቐለ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምዕስካር ንምክያድ ምሽብሻብ ጀሚሩ ምህላዉ ዝጠቕሱ እዞም ምንጭታት፡ ኣሻሓት መንእሰያት ብምሓዝን ብስም ምጥያስ ብምድንጋርን፡ ናብቲ ብስም ሓይልታት ሰላም ዝጽዋዕ ጉጅለ ክጽምበሩ ይድፋፍኡ ምህላዎም ገሊጾም።
ሓደ ምንጪ፡ ‘መንግስቲ ብመስርሕ ዲ.ዲ.ኣር ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት መንእሰያት ናብ ሲቪላዊ ህይወት ክሰጋገሩ ክውሕዙ ርእየ፤ እንተዀነ ግና መምስ ተኣከቡ ናብ ሓይልታት ሰላም ትግራይ ክዕስከሩ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ’ ክብል ሓቢሩ።
ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ክትጸንሕ መምርሒ ዝሃበ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ንምትካል ቅልጡፍ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ። Tigray Media Service ከም ዝጸብጸቦ፡ ዶ/ር ኣብርሃም በላይን ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴን ነቲ ዝጣየስ ኮማንድ ፖስት ክመርሑ ተሸይሞም ኣለዉ።
ናትና ቲቪ ነዚ ጸብጻብ ብናጻ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
