መግለጺታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣውዲቑዎ
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገኣ እትኸፍተሉ መዓልቲ ቀሪቡ እዩ ኢሉ።

ዓንቀጽ 2(4) ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውዕላት ሕብረት ኣፍሪቃን ብምጥሓስ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ ዝህብዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ናይ ውግእ መግለጺታት ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ጸጥታ ቅልውላው ዝያዳ ከም ዘጋደዶ ተገሊጹ።
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ "ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ናይ ባሕሪ ኣፍደገኣ እተኽፍተሉን ልኡላውነትኣ እተረጋግጸሉን መዓልቲ ቀሪቡ እዩ" ክብል ኣዊጁ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እውን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መምርሒ "ወደብ ዝኸልኣና ሃገር ክንዋጋእ ንኽእል ኢና" ክብል ምግላጹ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ 2023 ጀሚሩ ኣብ ባይቶን ህዝባዊ መድረኻትን ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ መሰል ምዃኑን ብሓይሊ እውን እንተኾነ ሉኡላዊ ዶብ ባሕርን ናይ ባሕሪ ዓስከርን ክህልዋ ከም ዝግባእን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኤርትራ በዚ ቀጻሊ ናይ ኲናት ምፍርራሕ ተበጊሳ ርእሰ-ምክልኻል ክትገብርን ተመጣጣኒ ናይ ጸጥታ ጥንቃቐታት ክትወስድን ምሉእ ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
