ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ንኣልሸባብ የተባብዕ ክብል ኣጠንቂቑ
ተስፋየ ይታየህ፡ እዚ ስጉምቲ ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ተስፋየ ይታየህ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ሃገርነት ክትፈልጥ እንተወሲና፡ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምብራኽ ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘእትዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣምባሳደር ምስ ማዕከን ዜና ኣይ-24 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ነታ ሉዓላዊት መንግስቲ ሶማል ኣብ ዞባዊ ጸረ-ራዕዲ ስርሒታት ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብቕጽበት ክወጹ ክትሓትት ከምዝድርኻ ገሊጹ።
እዚ ናይ ሰራዊት ምስሓብ ድማ ነቲ ጉጅለ ተወሳኺ ዓቕምን ባይታን ብምሃብ ከምዘጠናኽሮ ኣጠንቒቑ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ምምሕዳሩ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብል ምዃኑ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

