ሃማደኤ ጨንፈር ብሪጣንያ ዓመታዊ ገምጋሙ ኣብ ለንደን ኣካዪዱ
130 ወከልቲ ንኡስ ጨናፍር ተሳቲፎም፤ ፕሮጀክት መሰልጠኒ ማእከል መንደፈራ ተዓዊቱ ተባሂሉ

ሃማደኤ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ገምጋም ዓመታዊ ንጥፈታቱ ኣብ ከተማ ለንደን ኣካዪዱ። ኣብቲ ኣኼባ 130 ወከልቲ ንኡስ ጨናፍር ተረኺቦም።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ንቕሓትን ውዳበን እቲ ዝሓየለ ዕጥቂ ስለ ዝኾነ ኣብዚ መዳይ ብዝበለጸ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣገንዚቡ።
ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ፡ ንህልው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ተሳተፍቲ ዕቱብ ገምጋም ኣካዪዶም ናይ ዝመጽእ ዓመት መደባት ክሰርዑ ትጽቢት ከም ዝግበር ገሊጹ።
ኣደ መንበር እቲ ጨንፈር ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣብ 2026 ኣብ ምብራኽ ብቕዓትን ንቕሓትን ኣባላት፡ ኣብ ምስፋሕ ውዳበታት፡ ኣብ ምምልማል መንእሰያት፡ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ኣብ ምዕዋት ፕሮጀክት መሰልጠኒ ማእከል መንደፈራን ዝምስገን ስራሕ ከም እተሰላሰለ ገሊጻ።
