ኤርትራዊት ሓረስታይ ሓንቲ ካብ 100 ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ተባሂላ
ወይዘሮ ሮዚና መብራህቱ ካብ 131 ሃገራት ምስ እተዋጽኣ 600 ደቂ ኣንስትዮ ተወዳዲራ ዓዊታ።

ኤርትራዊት ሓረስታይ ወይዘሮ ሮዚና መብራህቱ፡ ተሸላሚት ዓለምለኻዊ ሽልማት መዓልቲ መግቢ ሓንቲ ካብ 100 ጀጋኑ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ክትከውን ምብቃዓ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓቢሩ።
ወ/ሮ ሮዚና ነዚ ሽልማት ዝበቕዐት፡ ካብ 131 ሃገራት ካብ እተዋጽኣ 600 ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ብምውድዳር እያ።
ብመሰረት ካብ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ናብዚ ዓወት ካብ ዘብቅዓትላ ቀንዲ ረቛሒ ሓደ፡ ጨዋም ጎቦ ንዝነበረ ዘይሕረስ መሬት ብሓያል ጻዕሪ ናብ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ባይታ ክትቅይሮ ብምኽኣላ እዩ።
ወ/ሮ ሮዚና ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ቶኾንዳዕ፡ ሩባ መሳልሕ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሕርሻዊ ንጥፈታታ እተካይድ ኮይና፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሸውዓተ ውሉዳትን እያ።
ነዚ ቦታ ናብ ለሰ ንምቕያር ምስ ደቀይ ኮይንና ካብ ካልእ ቦታ ሑጻ፡ ሓመድን ድኹዕን እናጓርትና ብዘይዕረፍቲ ንዓሰርተ ዓመታት ጽዒርና ክትብል ትገልጽ። ኣብ 2022 እውን ብልጽቲ ኣፍራይት ድንሽ ተባሂላ ብሃገር ደረጃ ተሸሊማ ነይራ።
