ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ምፍርራሕ ዓሰብ ሓያል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ
ዓቕሊ ኤርትራ ዝወደኣሉ ግዜ ቀሪቡ ከምዘሎ ኣብ መግለጺኣ ገሊጻ።

ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ዘሎ ትምክሕትን ምጉባጥ ዓሰብን ፍጹም ከም ዘይትቕበሎ ብምግላጽ ሓያል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ።
ምንቅስቓስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ኤርትራን ብዛዕባ ወደብ ዓሰብ ዝቐርብ ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ወራር ምፍርራህን ደው እንተዘይ ኢሉ፡ ኤርትራ ሉዓላውነታ ንምክልኻል ዘይምሕር ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።
ኤርትራ ኲናት ከም ዘይትደሊ እኳ እንተገለጸት፡ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስትራተጂካዊ ጌጋ ቅመራ ናብ ከቢድ መዘዝ ከም ዝመርሕ ኣፍሊጣ።
ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ወይ ጅቡቲ ሓንቲ ስንቲ ሜተር እኳ ከም ዘይትደሊ፤ ብተመሳሳሊ ድማ ካብ ሉዓላዊ መሬታ ሓንቲ ስንቲ ሜተር እኳ ንማንም ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ኣነጺራ ኣላ።
ነዚ ኩሉ ትምክሕቲ ንነዊሕ እዋን ብትዕግስቲ ክትሓልፎ እኳ እንተፈተነት፡ እቲ ዓቕሊ ዝወደኣሉ ግዜ ቀሪቡ ከም ዘሎን ስቕታ ኤርትራ ከም ፍርሂ ክትርጎም ከም ዘይብሉን እቲ መግለጺ የጠንቅቕ።
