ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሪር ምላሽ ሂባ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ጉጅለ ብልጽግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዊጅዎ ዘሎ ኲናት ብደብዳቤ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ጌርዎ ኣሎ ኢላ።

ኤርትራ ብመንገዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሪር ምላሽ ሂባ።
እቲ መግለጺ፡ ጉጅለ ብልጽግና ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጆ ኲናት፡ ኣብዚ ቅንያት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ብምልኣኽ ዕላዊ ከም ዝገበሮ ይገልጽ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ደብዳቤኡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክወርር ይብገስ ከም ዘሎ ብግልጽን ብዘየሻሙን ቃላት ኣፍሊጡ ኣሎ ይብል እቲ መግለጺ። በዚ ውሳነኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፈር፡ ኦሮሞ ወዘተ) ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዝኣወጆ ኲናት ናብ ኤርትራ ከልሕሞ ብምውሳኑ ብወግዒ ነጊሩ ኣሎ ይብል።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ ኲናት ዝውልዑ እቶም ኲናት ዘይፈልጡ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕ ኲናት ዝሓለፈን ሳዕቤናቱ ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጥን ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ልዑል ነብሰ-ግትኣት ጌሩ ከም ዝጸንሐ የረድእ።
