መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሓተታ ንኢትዮጵያ ወቒሱ
ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዘመናዊ ኣጽዋርን ስልጠና ሰራዊትን ዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝጻወሮ ዘይኮነ ወጻኢ ኣብ ምግባር ይርከብ ተባሂሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፡ ስርዓት ብልጽግና ድሕሪ ምዝዛም እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ባዕሉ ኣብ ዘንቀዶ ወተሃደራዊ ዕንደራ ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
እቲ ሓተታ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ 2026 ጥራይ ጽዕነት ናይ 365 ነፈርቲ ወተሃደራዊ ንዋት ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቐቢሉ። እዚ ወጻኢ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝጻወሮ ስለ ዘይኮነ፡ በቶም ነዚ ዞባን ጸጋታቱን ንምቁጽጻር ዘለዎም ሓይልታት ዝግበር ምዃኑ የረድእ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ሓያሎ ለገስቲ ብድምር ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ግዳማዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝረኸበ ይጠቅስ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ኣስታት 21.4 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ወዲቑ ህላውኡ ኣብ ሰብኣዊ ትኳቦ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣሎ።
ቀዳምነታት እቲ ስርዓት ብዋጋ ድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ዞባዊ ሰላምን ንግዳማዊ ኣጀንዳታት ምግልጋል ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ወጠምጠም መርኣያ እዩ ይብል እቲ ሓተታ።
