ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ መጥቃዕቲ ድሮን ቀጺሉ ኣሎ
ኣብ ገርሁ ስርናይን ኣሕሰዓን ኣብያተ ትምህርቲ ተዃሒነን፤ ኣብ ቃፍታ ሸራሮ ሰፊሕ ባርዕ ቀጺሉ

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰንበት 11 ጥቅምቲ ቅድሚ ቀትሪ ካልእ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘካየዱ ተገሊጹ።
ወተሃደራውያን በረራታትን መጥቃዕትታት ድሮንን ዝከታተል ጸሓፊ ሪች ቴድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ትግራይ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ኣብ ገርሁ ስርናይ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እገላ ዒላማ ከም ዝኾነት ሓቢሩ፤ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ጸሊም ትኪ ዘርኢ ምስሊ እውን ኣካፊሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምምሕዳር ኣሕሰዓ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብተኸታታሊ ሰለስተ ግዜ ተዃሒና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወትን ብዙሓት ሲቪላት ከም ዝሞቱን ይግለጽ።
ኣመሪካዊ ትካል ናሳ ፊርምስ፡ ኣብ ኣሕሰዓን ከባቢ ራማን ብዙሕ ናይ ተርማል ምልክታት ከም ዝለለየ ኣረጋጊጹ። ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ እውን ሰፊሕ ባርዕ ቀጺሉ ኣሎ።
