መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሕቶታት ኣልዒሉ
ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ንጹሃን ዜጋታትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከቢድ ናይ ሕጋውነትን ስነ-ምግባርን ሕቶ የልዕል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፣ ጃምላዊ ቅትለታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ናይ ሕጋውነትን ስነ-ምግባርን ሕቶታት የልዕል ከምዘሎ ተገሊጹ።
እዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ኣብ ከም ኣርሲ፣ ወለጋን ቦረናን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ክካየድ ከምዝጸንሐ፣ ሕጻናት፣ ኣንስቲ፣ ኣረጋውያንን መነኮሳትን ከይተረፉ ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ ጸብጻባት የረድኡ።
ካብቶም ኣዝዮም ዘሰንብዱ ፍጻሜታት፡ ኣብ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ኣንዳቤት ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መባእታ ደረጃ ተምሃሮ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ይጥቀስ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ ዓብዪ ህዝባዊ ሰንባድ ፈጢሩ።
ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን መሰረተ-ልምዓታትን ካብ ዝፍጸም ሰለስተ ዓመታት ከምዘቑጸረ ዝገለጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ መግለጺ ከምዘይሃበ ነቒፎም።
