ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ ሪኢቶ ሂቦም
ኣብ ሉዓላዊ ክብርታት ኤርትራ ቅንጣብ ምጥሓስ ዝፍቀድ ከምዘይኮነ ገሊጾም።

ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ወከልቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ግጭት ምውላዕ ሩኡይ ስግኣት ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ምዃኑ ገሊጾም።
እቶም ወከልቲ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ፈረንሳን ካልኦት ኣባል ሃገራት ኤውሮጳን፡ ከምኡ ድማ ወከልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃን ጎዶቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መግለጺታቶም፡ ሉላውነትን ሃገራዊ ሓድነትን እምነ ኩርናዕ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ምዃኑ ኣስሚረምሉ።
ኣብ ሓንቲ ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዝግበር ምጥሓስ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ጸቕጢ ዝፈጥር ምዃኑ እውን ገሊጾም።
እዞም ወከልቲ ነዚ ሪኢቶ ዝሃቡ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ህሉው ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ርክብ ኣመልኪቶም እዩ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብ15 ጥቅምቲ ንኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ብዛዕባ ግህሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራን ጽልዋኡ ኣብ ሰላም ዞባን መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።
