ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋን ክራይ ኣባይትን ስጉምቲ ወሲዳ
ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤ 500 ሚልዮን ብር ተዘዋዋሪ ፈንድ ከምእተመደበን ዓበይቲ ማእከላት ዕዳጋ ከምዝዝርግሑን ገሊጻ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረአ ዘሎ ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋ መሰረታዊ መግብታትን ክራይ ኣባይትን ንምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይውሰዱ ከምዘለዉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነሽ ኣበቤ ገሊጻ።
ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዋጋ ስጋ፣ ዘይቲ መግቢ፣ ባኒ፣ ዕሹግ ማይን ክራይ ኣባይትን ከምእተገምገመ ሓቢራ።
ኣፍረይትን ዓማዊልን ብቐጥታ ዘራኽቡ ዓበይቲ ማእከላት ዕዳጋ ኣብ መእተዊታት እታ ከተማ ይዝርግሑ ከምዘለዉን፡ ንፍርያትን ጽሬትን ንምዕባይ 500 ሚልዮን ብር ዝግመት ተዘዋዋሪ ፈንድ ከምእተመደበን ገሊጻ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዕዳጋ ጥሒሶም ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ኣካላት ጽኑዕ ናይ ቁጽጽር ስራሕቲ ክጠናኸር ምዃኑ ድማ ኣጠንቂቓ።
