ኣብይ ኣሕመድን ኔታንያሁን ናይ ተሌፎን ርክብ ኣካዪዶም
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣብ ዝኸረሉ እዋን እዩ እቲ ርክብ ተኻዪዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዝርርብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምሕያልን ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታትን ብሰፊሑ ከም ዝተመያየጡ ተገሊጹ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ርክብ፡ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም፡ ኣቪየሽን፡ ሎጂስቲክስን ጸዓትን ምትሕብባር ምዕባይ ምንባሩ ይግለጽ።
እዚ ዝርርብ ዝስዕብ ዘሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳዓርን ዝተገብረ ተመሳሳሊ ርክብ ስዒቡ እዩ።
