ሓይልታት ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ህጹጽ ጸጥታዊ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም
ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ቢሾፍቱ፡ ሰመራን ባሕርዳርን ካብ ወተሃደራዊ ትካላት ክርሕቁ ተሓቲቶም

ዝተፈላለዩ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምንጭታት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ጸጥታዊ መጠንቀቕታ ከም ዝሃቡ ገሊጾም።
እቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ቢሾፍቱ (ደብረ ዘይት)፡ ሰመራን ባሕርዳርን ካልኦት ከተማታትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ትካላት ሓይልታት ምክልኻልን ርሕቀቶም ክሕዙ ይምሕጸን።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብዛ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክካየዱ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ጸብጻባት ከም ዝረኸበ ብምግላጽ ንዜጋታቱ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ብዝኾነ ምኽንያት ከይጓዓዙ እውን ተማሕጺኑ።
ብተመሳሳሊ መንግስቲ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ፡ ድሮ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ድማ ናብ ትግራይ፡ ኣምሓራን ጋምቤላን ከምኡውን ናብ ዶባዊ ከባቢታት ከይገሹ ኣዚዙ። እዞም መጠንቀቕታታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣትን ዞባዊ ወጥርን ዘጉልሑ ምዃኖም ተዓዘብቲ ገሊጾም።
