ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዚ ሰሙን’ውን ቀጺሉ
ብ21 ጥቅምቲ ብወገን ሰመማን ደብረ ዳሞን ብርቱዕ ውግእ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ገሊጾም።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ዞባ እቲ ክልል ዘሎ ናይ ኲናት ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ብ21 ጥቅምቲ ብወገን ሰመማን ደብረ ዳሞን ብርቱዕ ውግእ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ናይቲ ክልል ገሊጾም።
ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል ኣብ ማእከላይ ትግራይ ሓይሉ ኣኻኺቡ ኣብ ዝዓረደሉ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ተጠርኒፎም ናብዞም ስትራተጂካዊ ቦታታት ይእክቡ ከምዝነበሩ እቶም ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ውቕሮ ማራይን ሰለኽለኻን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ሚረናን ዞባታት ዛናን ጽዑቕ ናይ ከቢድ ብረት ተኹስን ቀጥታዊ ውግእን ክካየድ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።
ኣብ ጥቓ ታሕታይ ማይጨው ድንባዛ፡ ጥሻን ምላዃን መጥቃዕቲ ከቢድ ብረትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን እናወሰኸ ብምምጽኡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ እቶም ጸብጻባት ኣረዲኦም።
