ፕሮፌሰር ህዝቄል፡ ትዕቢት ንብልጽግና ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ ኢሉ
ብዝሒ ህዝቢ ልኡላውነት ኣይውስንን እዩ፤ ካብ ታሪኽ ተማሃሩ ኢሉ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ

ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፌሰር ህዝቄል ጋቢሳ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተውሃበ ንሕና 200 ሚልዮን ኣንጻር 2 ሚልዮን ኢና ዝብል ትዕቢት ትርጉም ከም ዘይብሉ ገሊጹ፡ ብዝሒ ህዝቢ ልኡላውነት ኣይውስንን እዩ ኢሉ።
ኤርትራ ኣቃሊልካ ምርኣይ ንመሪሕነት ብልጽግና ከቢድ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ዘጠንቀቐ እቲ ፕሮፌሰር፡ ምስ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያ ንፈደረሽን ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምፍራሳ ከም ዝጀመረ ኣዘኻኺሩ።
ታሪኽ እንተዘይተማሂርኩምሉ ክትደግምዎ ኢኹም ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሰልፊ ብልጽግና ነቲ ብኢህወደግ ዝተዓጽወ ምዕራፍ ንድሕሪት ክመልሶ ኣብ ምፍታን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይፈትሕ ደማዊ መንገዲ ሒዙ ሃገር ናብ ካልእ ኲናት ይደፍኣ ከም ዘሎ መጕቱ።
መልእኽቱ፡ ገዛእ ርእስኻ ክትፍትሽ ምፍቃድ፡ ሓላፍነት ምቕባልን ነቲ ካልእ ወገን ንምርዳእ ጻዕሪ ምግባርን ከም ዘድሊ ዘመልክት እዩ።
