ፈረንሳ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጃ፡ ናዕቢ ተመሃሮ ይቕጽል
ታሪኻዊ ህንጻታት ተቓጺሎም፡ ኣስታት 2,400 ተኣሲሮም ልዕሊ 1,000 ፖሊስ ድማ ቆሲሎም።

መንግስቲ ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ናዕብን ዕግርግርን ተመሃሮ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ካብ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ክሳብ ሽዱሽተ ንግሆ ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሰባስትያን ሌኮኑ፡ እቲ ስጉምቲ ካብ ወርሒ መስከረም ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ ዘስዕቦ ዘሎ ክሳራ ንምግታእ ምዃኑ ሓቢሩ፤ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ክእወጅ ከምዝኽእል እውን ኣሚቱ።
ብቐዳም 17 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሊሞጅስ 143 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ታሪኻዊ ህንጻ ምምሕዳር እታ ከተማ ብሓዊ ተቓጺሉ ናሕሱን ዓባይ ሰዓቱን ዓንዩ። ኣብ ሊዮንን ማርሴን ዝርከቡ ናይ መንግስትን ንግድን ትካላት እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም።
ብመሰረት ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብቲ ተቓውሞ ተሳቲፎም፤ ወደብቲ ግን ቁጽሪ ተሳተፍቲ ክሳብ 800 ሽሕ ከምዝበጽሕ ይገልጹ። ኣስታት 2,400 ሰባት ተኣሲሮም፡ ልዕሊ 1,000 ኣባላት ፖሊስ ድማ ቆሲሎም።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ናዕቢ ብምኹናን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ብሕጊ ክሕተቱ ምዃኖም ቃል ኣትዩ። እቲ ተቓውሞ ቅድሚ ምርጫ 2027 ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ማክሮን ጸቕጢ ይውስኽ ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።

