ሱልጣን ዓፋር፡ እዚ ኲናት ናትና ኣይኮነን ክብል መግለጺ ኣውጺኡ
ተወልድቲ ዓፋር ንፖለቲካዊ መኽሰብ ካልኦት ክለኣኹ ከምዘይብሎም ኣስሚሩሉ።

ሱልጣን ንግስነት ዓፋር ኢትዮጵያ ኣሕመድ ዓሊሚራህ ሃንፋረ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ንምክያድን ዓሰብ ንምሕዋስን ዝሓሰበቶ መደብ ዝቃወም ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
እዚ ናትና ኲናት ኣይኮነን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ መልእኽቲ፡ ተወልድቲ ብሄረ ዓፋር ንፖለቲካዊ መኽሰብ ናይ ካልኦት ክቃለሱን ክሞቱን ይለኣኹ ምህላዎም ከሲሱ።
ብሄረ ዓፋር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ብብዝሒ ዝተጸገሙን ብቑጠባ ሸለል ዝተባህሉን ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ተወልድቲ እቲ ብሄር ናብ ዘይምልከቶም ውግእ ክኣትዉ ከምዘይብሎም ገሊጹ።
ደለይቲ ውግእ ዓው ኢሎም ይግዕሩን ክስዕሩ ይሓስቡን ዝበለ እቲ ሱልጣን፡ ድሕሪ እዚ መከራ ሰላም ንዝደልዩ ሰባት ግን ዕዉራት ምዃኖም ኣረዲኡ።
ድሌት ወራር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብትረኻ ባሕሪ ዝተመርሐ ምዃኑ እውን ወሲኹ ወቒሱ።

