ኣብይ ኣሕመድ ኣብ በዓል መዓልቲ ጀጋኑ ኬንያ ተሳቲፉ
ኣብ ኤልዶሬት ዝተኻየደ ሃገራዊ በዓል ማሹጃ ከም ክቡር ዕዱም ተረኺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ጀጋኑ ንምስታፍ ናብ ኬንያ ኣትዩ።
እቲ በዓል ንናጽነት፡ ሉዓላውነትን ልምዓትን ኬንያ ዓብዪ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጀጋኑ ክብሪ ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ከተማ ኤልዶሬት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ማሹጃ ከም ክቡር ዕዱም ከምዝተሳተፈ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ዑደት ዝተኻየደ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ።

