ውድብ ጥዕና ዓለም ንኤርትራ ኣብ ምድላው ንተላባዒ ሕማማት ይሕግዝ ከምዘሎ ኣፍሊጡ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣርባዕተ ቅልጡፍ ገምጋማት ጥዕና ከምዝተኻየዱ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤርትራ፡ ሎሚ ሶሉስ 29 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ንጽላት ጥዕና ኤርትራ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቢሉ፡ ንዝኾነ ለበዳ ድልውነት ንምሕያል ዝተፈላለየ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣርባዕተ ቅልጡፍ ሓደጋታት ዘለዎም ገምጋማት ጥዕና ከምዝተኻየዱ እቲ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ።
እቲ ውድብ ንመርመራታት፡ ምሕደራ ሕማማት፡ ህዝባዊ ርክባት ኣብ እዋን ሓደጋ ለበዳን ምትእስሳር ኮማትን፡ ከምኡ'ውን ኣገደስቲ ናይ ላባራቶሪ መመርመሪ ናውትን ሓገዝ ከምዝሃበ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ንዘጋጥሙ ለበዳታት ብኣግኡ ንምልላይን ግብረመልሲ ንምምሕያሽን ኣብ ህንጸት ዓቕሚ ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English