ኣብ ከተማ ራማ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ዕንወት ወሪዱ
ACLED፡ ፌደራላዊ ድሮናት ኣብ ከባቢ ራማ መካይን ውግእ ዒላማ ገይረን ይብል።

ኣብ ሰሜን ትግራይ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ከተማ ራማ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ።
ብትካል ዜና ሮይተርስ ብ15 ጥቅምቲ ዝተዘርግሐ ብሞባይል ዝተወስደ ስእልታት ከም ዘርእዮ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ብዝተኻየደ ውግእ ኣብ ራማ ዝርከቡ ናይ ሲቪል መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮም።
ናጻ ትካል ምክትታል ግጭታት ACLED ብ15 ጥቅምቲ ከም ዝሓበሮ፡ ናይ ፌደራል ድሮናት ኣብ ከባቢ ራማ ንዝነበራ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መካይን ውግእ ዕላማ ገይረን መጥቃዕቲ ፈጺመን።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሰራዊት 33 ዝነበራ ናይ ጽዕነት መኪናን ወተሃደራዊ ኣቑሑት ዝጸዓነት ንእሽተይ መኪናን ከም ዘጠቓለለ ተገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብ14 ጥቅምቲ ንከተማ ራማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘእተዋ ኣረጋጊጹ ነይሩ። እታ ኣብ ጥቓ ፈለግ መረብን ዶብ ኤርትራን እትርከብ ከተማ፡ ስትራቴጂካዊ ቦታኣ ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
