YouTubeInstagram

ናትና ዜና

Natna News
ቀዳም · 26 መስከረም 2026
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ህጹጽሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኒውዮርክ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ርክባት የካይድ ኣሎ
← ተመለስ
ኤርትራ

ፕሮጀክት ኮሉሊ ፖታሽ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ

1.1 ቢልዮን ቶን ሃብቲ፤ ንግዳዊ ምህርቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2027 ክጅምር ትጽቢት ኣሎ።

Colluli Potash Project

ኣብ ኤርትራ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ ፕሮጀክት ኮሉሊ ፖታሽ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ምዕባሊኡ ከምዝቐጸለን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ፖታሽ ከም ዋና ተዋሳኢ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ ምህላዉን ተገሊጹ።

ኣሜሪካዊ መርበብ ሓበሬታ ተንደርጎ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፕሮጀክት ናይ ግዜ ሰሌዳ ጸገማት ኣጋጢምዎ እኳ እንተጸንሐ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱን ስፍሓት መሰረት ጸጋታቱን ግን ኣይተቐነሰን ክብል ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ ኣህጉራውያን ኣቕረብቲ፡ ኮንትራክተራትን ኣብ ዕደና ኤርትራ ዕድላት ወፍሪ ዝደልዩ ኣውፈርትን ልዑል ተገዳስነት ይስሕብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ ዓመታዊ 472,000 ቶን ፖታሽ ሳልፌት ከምዝዕድንን፡ ኣብ ካልኣይ ገጹ ድማ ናብ 944,000 ቶን ከምዝዓቢ ተገሊጹ።

ማዕድን ፖታሽ ሳልፌት ንምህርቲ ሕርሻ ወሳኒ ብምዃኑ፡ እዚ ናይ ኤርትራ ፕሮጀክት ኣብ ዓለማዊ ጻዕርታት ውሕስነት መግቢ ዋና ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።

ብእንግሊዝኛ ኣንብብ