ናይ ህጻናት ክታበት ናብ ኤርትራ ኣትዩ
ምስ ማሕበር ክታበት ጋቪን ዩኒሴፍን ብዘሎ ምትሕብባር፡ 95 ሚእታዊት ሽፋን ክታበት ንምቕጻል።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ማሕበር ክታበት ጋቪን ዩኒሴፍን ብዘለዎ ቀጻሊ ምትሕብባር፡ ሓድሽ ናይ ህጻናት ክታበት ናብ ኤርትራ ከምዘእተወ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍ ኣብ ኤርትራ ገሊጹ።
እዚ ምትሕብባር፡ 95 ሚእታዊት ሽፋን ክታበት ንኽቕጽልን ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ህጻናት ብክታበት ክንከላኸሎም ንኽእል ሕማማት ንምክልኻልን ዝሕግዝ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
እቲ ክታበት ከም መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘካይዶ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ተሰንዩ ዝኸይድ እዩ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
