ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተግባራት ምጭዋይ ሰፊሑ
ኣብ ማእከል ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ምጭዋይ ንገሊኦም ኣካላት ምንጪ ገንዘብ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ማእከል ሰላማውያን ሰባት ናይ ምጭዋይ ተግባራት ብስፍሓት ይረአ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እዚ ተግባር ንገሊኦም ኣካላት ናይ ገንዘብ መርከቢ ምንጪ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።
ጎኒ ጎኑ፡ ብሰንኪ ዘይምርግጋእ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ወሰኽ የርኢ ከምዘሎን፡ እኹል ሓገዝ ብዘይምርካቦም ሕጻናትን ኣረጋውያንን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከምዝወደቑን ተገሊጹ።
እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ጸገማት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘይሕጋዊ ግጭታት ብምእታው ሃገራዊ ጸጋታት የጥፍእ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይኸስስ።
