YouTubeInstagram

ናትና ዜና

Natna News
ቀዳም · 26 መስከረም 2026
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ህጹጽሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኒውዮርክ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ርክባት የካይድ ኣሎ
← ተመለስ
ኤርትራ

ምልዓል እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘለዎ ተገሊጹ

ፈጻሚ ኣቦ መንበር ዳናካሊ ሲሙስ፣ እቲ ስጉምቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጽበዮ ዝነበረ ኣወንታዊ ምዕባለ ምዃኑ ገሊጹ።

ምልዓል እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ኣብ ጽላት ዕደና ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ፕሮጀክት ፖታሽ ኮሉሊ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ዝነበሮን ድሒሩ ንቻይናዊ ኩባንያ SRBG ብ121 ሚልዮን ዶላር ዝሸጠን ኩባንያ ዳናካሊ፣ ፈጻሚ ኣቦ መንበሩ ሲሙስ ብዛዕባ እቲ ምልዓል እገዳን ኣብቲ ጽላት ዘለዎ ጽልዋን ርእይቶኡ ሂቡ።

ንሱ፣ እዚ ንኤርትራን ንብዙሓት ኤርትራውያን ፈተውትናን ኣወንታውን ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ምዕባለ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ነቲ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ዘጋጥሞም ዝነበረ ከቢድን ዘይምኽኑይን ዕንቅፋት ስለዘሊ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ናይ ዳህሳስን ልምዓትን ኩባንያ ዳናካሊ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ስትራተጂ ካብ ዕደና ፖታሽ ናብ ክቡርን መሰረታውን ማዕድናት ኣሰጋጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ይነጥፍ ኣሎ። እቲ ኩባንያ፣ በዚ ንልምዓት ዘቀላጥፍ ፍጻሜ፣ ኣብ ምምዕባልን ዳህሳስን ማዕድናት ዝጸንሐ ነዊሕ ተሳትፎኡ ክቕጽሎ ብሃንቀውታ ይጽበ ምህላዉ ተገሊጹ።

ነዚ መግለጺ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣብ ናይ 23 መስከረም ሓጺር ማሕበራዊ መልእኽቱ ኣቕሪቡዎ።

ዳናካሊ፣ ኣብ ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ካብ ኣስመራ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ወርቂ ኤላ ገደልን መሰረታዊ ማዕድናትን ኣተኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።

እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።

ብእንግሊዝኛ ኣንብብ