YouTubeInstagram

ናትና ዜና

Natna News
ሰንበት · 27 መስከረም 2026
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ዜና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን · ናትና ቲቪ
ህጹጽዑስማን ሳልሕ ንጎረቤት ሃገር ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
← ተመለስ
ህጹጽኤርትራ

ዑስማን ሳልሕ ንጎረቤት ሃገር ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ላዕለዋይ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምብራኽ ደረጃ ባሕሪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ልኡላዊ መሰላት ሃገራት ገማግም ባሕሪ ክኽበር ኣስሚሩሉ።

UN Photo

ኣብ ኒውዮርክ ንልኡኽ ኤርትራ መሪሑ ኣብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋ ህላወ ሃገራት ኣብ ዝምልከት ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ኣኼባ መደረ ኣስሚዑ።

ኣብቲ መደርኡ፡ ንጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ስማ ከይጠቀሰ ንጹር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ተገሊጹ።

ኤርትራ ኣንጻር ጽልዋታት ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ መከላኸልን ዕቃበን ስጉምትታት ኣቐሚጣ ከምዘላ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ ርጉእን ውሑስን ናይ ባሕሪ ቀጠናታት ከምኡ'ውን ልኡላዊ መሰላት ሃገራት ገማግም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ማያተን ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ዘላቕን ርጉእን ስነ-ህይወት ባሕሪ ኣብ ምውሓስን ምድንፋዕን ኣገዳስን መተካእታ ዘይብሉን ተራ ከምዘለወን መብርሂ ሂቡ።

እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።

ብእንግሊዝኛ ኣንብብ