ሰራዊት ፌደራል ካብ መቐለ ክወጽእ ከምዝጀመረ ተገሊጹ፤ ናብ ኲሓ ገጹ ይምለስ ኣሎ
ዶ/ር ደብረጽዮን ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ይረጋገጽ ኣሎ ይብሉ ጸብጻባት።

ድሕሪ ብዘይ ዝኾነ ቶኩሲ ናብ መቐለ ምእታዉ ዝተገልጸ ሰራዊት ፌደራል፡ ትማሊ ሶኒ 5 ጥቅምቲ ካብታ ከተማ ክወጽእ ከምዝጀመረን ኣስታት ትሽዓተ ኪሎ ሜተር ንምብራቕ ናብ እትርከብ ኲሓ ገጹ ይምለስ ከምዘሎን ተገሊጹ።
ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለወን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምቁጽጻር መቐለ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣየረጋገጻን።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናብቲ ክልል ዝኣተዉ ሓይልታት መእተዊ መንገዶም እምበር መውጽኢኦም ኣይፈልጡን እዮም ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚካኤል ኣስገዶም ብወገኑ፡ እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ውጽኢት ከምዘይብሉን ሰራዊት ትግራይ ኣጽዋሩን ስትራተጂካዊ ኣቃውማኡን ዓቂቡ ከምዘሎን ገሊጹ።
