ኤርትራ ብውሽጣዊ ሰላማ ንጎረባብታ በሊጻ
ኣህጉራዊ መዐቀኒ ሰላም 2026፡ ካብ 163 ሃገራት ኤርትራ መበል 128 ተርታ ሒዛ።

ኤርትራ ኣብ ናይ 2026 ኣህጉራዊ መዐቀኒ ሰላም GPI፡ ካብ 163 ሃገራት መበል 128 ተርታ ተሰሪዓ ምህላዋ፡ ኢንስቲትዩት ፎር ኢኮኖሚክስ ኤንድ ፒስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
እቲ መዐቀኒ ንሃገራት ኣብ ቀጻሊ ውሽጣውን ኣህጉራውን ግጭታት፡ ወተሃደራዊ ምትእስሳርን ኣብ ሕብረተሰበን ዘሎ ድሕንነትን ጸጥታን ተመርኲሱ ይግምግም።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብጀካ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን በሊጻ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ብ3.3 ነጥቢ መበል 138 ተርታ ሒዛ ኣላ። ኣብ ዓለም ደረጃ ኣይስላንድ ብ1.1 ነጥቢ ቀዳመይቲ ክትከውን ከላ፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
