ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዘይተራእየ ናይ ድርቂ ቅልውላው ከጋጥማ ከምዝኽእል ተገሊጹ
ክኢላ ሃፍቲ ማይን ክሊማን፡ እቲ ተርእዮ ናብ ሱፐር ኤሊኖ ዝበሃል ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ገሊጹ

ክኢላ ሃፍቲ ማይን ክሊማን ዶክተር ጥሩሰው ኣሰፋ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ድርቂ ቅልውላው ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ሕጂ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ሙቐት ክሊማ፡ እቲ ተርእዮ ናብቲ ሱፐር ኤሊኖ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደገኛ ደረጃ ከምዘብጽሖ ገሊጹ። እዚ ኩነታት ዝያዳ ክሕይልን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክምዕብልን ከምዝኽእል'ውን ስክፍትኡ ኣቕሪቡ።
እቲ ተጸበይ ዘሎ ድርቂ፡ ኣብ ሰማንያታት ንኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ድርቅን ሚልዮናት ዜጋታት ንጥሜት ካብ ዘቃልዐ ኩነታትን ዝገደደ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኡ።
ነዚ ቅልውላው ዝያዳ ዘተሓሳስብ ዝገብሮ፡ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘይርጉእ ናይ ጸጥታ ኩነታትን ሕጽረት ቀረብ ነዳድን ምህላዋ ምዃኑ ጸብጻባት እታ ሃገር ይገልጹ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English