ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ ኤምባሲ ክትዓጹ ወሲና፤ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ 48 ሰዓት ክወጹ ኣዚዛ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ "ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝፍጸም ጽልእን ተቓውሞን ተግባራት ኤርትራ" ተኸቲሉ ዝመጸ እዩ ኢሉ፤ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዘለዎ ኤምባሲ ክዓጽዎ ከምዝወሰነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ዘይተደልዩ ሰባት (persona non grata) ምዃኖምን ሓሙስ 1 ጥቅምቲ 2026 ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ እቶም ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ኢትዮጵያ ክገድፉ ተኣዚዞም ኢሉ።
እቲ ውሳነ ዝተወስደሉ ምኽንያት "ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝፍጸም ጽልእን ተቓውሞን ተግባራት ኤርትራ" ምዃኑ ገሊጹ።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ዘስዕብ ንጥፈታት ተሳትፎም ነይሮም ክብል ከሲሱ፡ እዚ ድማ ኮንቬንሽን ቪየና ዝምድና ዲፕሎማሲ ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ግርጭታት ብሰላም ኣብ ምፍታሕ ዘለዋ ተገዳስነት ኣይተለወጠን ክብል እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ነባሪ ሰላም፡ ጸጥታን ዞባዊ ውህደትን" ንምድንፋዕ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ምስ ኤርትራ ዘለዋ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ናይ ህዝቢ-ምስ-ህዝብን ርክብ ትኽብር ምዃና እውን ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ጽልኣዊ ተግባራት ከቋርጽ ጸዊዑ።
ክሳብ እዚ ጸብጻብ ዝተዘጋጀወሉ ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝሃቦ መልሲ የለን።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English