ኤርትራ፡ ምብታኽ ዲፕሎማሲ ሰልፊ ብልጽግና ነቲ ኲናት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝዓለመ እዩ ኢላ
ካብ ውሽጣዊ ቅልውላው ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝግበር ልሙድ ምስምስ እዩ ክብል ሓተታ ሓዳስ ኤርትራ መልሲ ሂቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ኣስመራ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምብታኹ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጣልቃ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ መብርሂ፡ ብመገዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሎሚ ሶሉስ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዝወጸ ካብ ዓዘቕቲ ናብ ሰልሚ ዝብል ሓተታ እዩ ቀሪቡ።
እቲ ሓተታ፡ መሪሕነት ኣዲስ ኣበባ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ኲናትን ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝገብሮ ልሙድ ምስምስ እዩ ክብል፡ ሰልፊ ብልጽግና ነታ ሃገር ካብ ጎረባብታ ነጺሉ ጠንቂ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባ ገይሩዋ ኣሎ ኢሉ።
ከም ኣብነት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዝፍጸም በደል፡ ልኡላውነት ሶማል ብምግሃስ ምስ ሶማሊላንድ ክኽተም ዝተሃቀነ ዘይሕጋዊ ውዕል፡ ከምኡ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርብ ዝነበረ ቅሉዕ ዘመተ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍርራሕ ዋጋ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኤርትራ ከም ወትሩ ንኹሉ ኩነታት ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
