ኤርትራ ናይ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ 9.82 ሚልዮን ዶላር ንቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ጽሬትን ኣጽዲቑ።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይን ጽሬትን ንምምሕያሽ፡ 9.82 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘጽደቐ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕሮጀክት ምስ መንግስቲ ኤርትራን ዩኒሴፍን ብምውህሃድ ከምዝትግበር ዝገለጸ እቲ ባንኪ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝስተ ማይ ንምርካብ ዝጓዓዞ ርሕቀት ብዓሰርተ ዕጽፊ ማለት ናብ ከባቢ 500 ሜትሮ ከምዝጎድል ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ክፍሊ ማይን ጽሬትን ናይቲ ባንኪ Mtchera Johannes Chirwa ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማእከላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዝርከቡ ናይ ጽሬት ክፍልታት ንምምሕያሽ'ውን ከምዝሕግዝ ገሊጹ።
እቲ መደብ ኣብ ህንጸት 21 ማእከል ነቁጣታት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ገጠራት፡ ከምኡ'ውን ስርሐን ደው ኣቢለን ዘለዋ 38 ነቁጣታት ኣብ ምሕዳስ ኣበርክቶ ይገብር።
ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክህነጹ ዝተወጠኑ 21 ሓጽብታት፡ ህንጸት ናይቶም 18 ምሉእ ብምሉእ ከምዝተዛዘመ፡ እቲ ባንኪ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
