ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ነቲ ኲናት ተጠቒሙ ኣንጻር ኤርትራ መደብ ይሕንጽጽ ኣሎ ክብሉ ተንተንቲ ገሊጾም
ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም ምትእስሳር ኣለዎም ዝበልዎም ሰለስተ ፍጻሜታት ብምጥቃስ ዘቕረብዎ ገምጋም።

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ኣብ ሓጺር እዋን ብፍጥነት ክሳብ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ እቲ ኩነታት ዶብ ዝሰገረ ኲናት ንምክያድ ዝመስል ኣንፈት ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ገሊጾም።
እቶም ተንተንቲ ንገምጋሞም ንሓድሕዶም ምትእስሳር ኣለዎም ዝበልዎም ሰለስተ ፍጻሜታት ጠቒሶም።
ቀዳማይ፡ ፕረዚደንት ክልል ዓፋር ብ28 መስከረም ንኣልጀዚራ ዝሃቦ መግለጺ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ጽርግያ ቆሪጹ ናብ ወደባት ጅቡቲ ከይበጽሑ ይጽዕር ኣሎ ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ዶባት ብሓይሊ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ስለዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢዱ ከእቱ ሓቲቱ።
ካልኣይ፡ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ናብ ሱዳን ህጹጽ ምብጻሕ ክገብር ቪዛ ሓቲቱ ምፍሻሉ።
ሳልሳይ፡ ኣብ ባይዶኣ ሶማል ዝተፈጥረ ሓድሽ ግጭት፡ ሶማል ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያ ክትጽመድ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ።
እቶም ተንተንቲ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንኤርትራ ብተደጋጋሚ ምኽሳሱን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ጻውዒት ምቕራቡን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምሓዝ ዝግበር ፈተነ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውጥን ክኸውን ከምዝኽእል ወሲኾም ገሊጾም።
ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ገምጋም ዝኾነ መልሲ ኣይተዋህበን።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
Read in English