ዳግማይ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ኢጋድን መግለጺታት ኣውጺኦም
ህውሓትን ሓድሽ ኪዳን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምስ ፌደራል መንግስቲ ኲናት ምጅማሩ ድሕሪ ምግላጾም፣ ሰለስቲኦም ውድባት ብህጹጽ ተላብዮም።

ህውሓትን ሓድሽ ሓባራዊ ኪዳን ዕጡቓት ጉጅለታት ኢትዮጵያን፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኲናት ምጅማሩ ብወግዓዊ መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካን ኢጋድን ብህጹጽ መግለጺታት ከምዘውጽኡ ተገሊጹ።
ማእከል ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፣ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ናብ ሮቡዕ 23 መስከረም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ምሉእ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍተሉ ሓቢሩ። ሓይልታት ትግራይ ድማ፣ ነቲ ብኣጋር፡ ብሜካናይዝድ፡ ብድሮናትን ሓይሊ-ኣየርን ተሓጊዙ ተኸፊቱ ዘሎ ዳግማይ ኲናት ንምምካት፣ ከቢድ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
ብኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና ዝብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ውድብ ድማ፣ ፌደራል መንግስቲ ብኣየርን ምድርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተሉን ጸረ-መጥቃዕቲ ከምዝወሰደን ብወግዒ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ዋግ-ሕምራን ሰሜናዊ ክፋል ክልል ዓፋርን ቦታታት ይቆጻጸሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዓሚቝ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ዝለዓለ ምርግጋእ ክገብሩን ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ኣተሓሳሲቡ። ኣቦ መንበር እቲ ኮምሽን ማሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ እቲ ዝቕልቀል ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኪዳን ነቲ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ሰላም ዳግማይ ናብ ኲናት ክመልሶ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝርከቡ ሲቪላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ምእታዎም፣ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ግዴታታት ዝጻረር ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ኣቦ መንበር፣ ናብተን ከተማታት ዝግበር ዝነበረ በረራታት ካብ 23 መስከረም ምሉእ ብምሉእ ደው ምባሉ ተገሊጹ። ናይ ላሊበላ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ተዓጽዩ ኣሎ።
ህውሓት ብወገኑ፣ ሎሚ ሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኮምሽን ተቓዊሙ። ፌደራል መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብዘይምኽኣሉን፣ ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ዝርከቡ ከባቢታት ካብ ምቁጽጻር ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝኾንሉ እዋን ዕሽሽ ብምባሉን፣ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ትርር ዝበለ ነቐፌታ ኣቕሪቡ።
ኣሜሪካ ድማ ብመገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ድምጻ ኣስሚዓ። ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን፣ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ዘይዕወትን ንህዝቢ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሉን ኢላ ከምዝረኣየቶ ገሊጹ። መሪሕነት ህውሓት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃን ላዕለዋይ ወኪሉ ኦባሳንጆን ዝቐረበ ናይ ዘተ ማኣዲ ንጎኒ ሓዲጉ ናብ ኲናት ምእታዉ ብጣዕሚ ከምዝሓዘነ ብምጥቃስ፣ ኣሜሪካ ተወሳኺ እገዳ ንምሕላፍ ዘኽእል መሳርሒን ዓቕምን ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።
ኢጋድ'ውን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ናብዚ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ብቕልጡፍ ግጭት ደው ከብሉን ናብ ቀጥታዊ ዘተ ክምለሱን ጸዊዑ። እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ቀዋሚ ኲናት ናይ ምቁራጽ ስምምዕ፣ ኣብቲ ክልል ዘይተፈጸሙ ጉዳያት ንምፍታሕ ዋና ውዕል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ወጥሪ ከጋድድ ካብ ዝኽእል ምትእትታው ክቑጠባ ተላብዩ።
እዛ ዜና ብእንግሊዝኛ'ውን ኣላ።
ብእንግሊዝኛ ኣንብብ
