ቀዳም · 3 ጥቅምቲ 2026
4
ብቐጥታኤርትራፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ኣብ ሓዳስ ኣልዓላመይን ብዛዕባ ክልተኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምእታውን ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ኣስሚሩሉ ኢሉ።
ብቐጥታኣህጉራዊ ዜናፕረዚደንት ሶማል ህላወ እስራኤል ከምዘይቅበልን፡ ኢትዮጵያ ብመሬት ሶማል ናብ ባሕሪ መእተዊ ክትረክብ ከምዘይቃወምን ገሊጹ።
ኣብ ምስ ኣልጀዚራ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ እስራኤል ኣብ በርበራ ወተሃደራዊ ወደብ ባሕሪ ክትተክል መደብ ኣለዋ ኢሉ፤ ሑቲ ድማ ነቲ ዞባን ናጽነት መጓዓዝያ ባብኤል መንደብን የዳኽም ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ብቐጥታኢትዮጵያባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰሜን ኢትዮጵያ ዕጹው ምይይጥ ከካይድ እዩ
ዘ ሪፖርተር ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ፖለቲካን ህንጸት ሰላምን ሕቡራት ሃገራት ንኣባላት እቲ ባይቶ መብርሂ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ፤ ዕለት እቲ ምይይጥ ግን ኣይተፈልጠን።
ብቐጥታኤርትራፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኒልን ዝዝቲ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ንምክፋል ናብ ግብጺ ተጓዒዙ
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ እቲ ብጽሒት ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ምዃኑን እቲ ጉባኤ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ወሽመጥ ዓረብን ተፋሰስ ኒልን ዘጠቓልል ምዃኑን ገሊጹ።
